ፍናን ሓንቲ ቅርሲ ኤርትራ ዝኾነት መጀመርያ ብ1948 ዝተሓትመት መምሃሪት መባእታዊ ትግርኛ ዝኾነት ዓርኪ ተምሃራይ ትብሃል መጽሓፍ ዳግማይ ክትሕተም ኣብዚ እዋን ፍናን ተዳልያ ኣላ። ፍናን ብኣባላታ ኣቢላ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ መጀመርያ ብኹሉ ትሕዝቶኣ ንኽትርከብ፡ ስዒቡ ብኹሉ መንፈሳን ሕብራን ከምታዝነበረታ፡ ዕድል ጌርና ብ ኣ ኣ ናይ መባእታ ትምህርትና ዝተዋህበና፡ ንደቅና ኣዝያ ኣገዳሲት መምሃሪት ንባብ ትግርኛ ክትከውን ትኽእል ካብ ዝብል መንፈስ ፍናን ኣዳልያ ወዲኣታ ኣላ።
ንኽትሕተም ግን ናይ መሕተሚ መበገሲ ካፒታል ስለዘድለየ፡ ኣባላት ማሕበረሰብና ፡ ዓዓቕምና ከነወፊ ንላቦ። ነዚ ምስ እንገብር እቲ ኩሉ ንምነዮ ደቅና ብታሪኾም ብመንነቶም ክሕበኑ ኣዝዮ ይሕግዝ፡ ዓርኪ ተምሃራይ ብዓይኒ ምምህርና ክትርአ እንከላ፡ ማዕረ ክንደይ ቀዳሞት ኣቦታትና ኣስተውዓልትን መሃርትን ከምዝነበሩ፡ ንዝመጽእ ወለዶ ከነውርስ ትሕግዝ። ተሓቲማ፡ ብርትዓዊ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ፡ ኩሉ ኣታዊ ኸኣ ንካልኦት ንዓርኪ ተምሃራይ ዝ ኣመሰሉ መጽሓፍቲ ፍናን ህይወት ከት ስኩዕ ተበጊሳ ኣላ እሞ፡ ኢደይ ኢድካ ትብለኩም ፍናን።
በዚ ኣጋጣሚ ፍናን ንኹሎም ኣብዚ ዝጸዓሩ ተመስግን፡ ብሕልፊ ኸኣ ንኩለን ገጻት ክርከባ ኣዝዮም ዝጸዓቱ ኣቦና ኣቶ እምነቱ ተስፋይ ኣመስጊና ነመስገንቲ ተቕርብ።