ኩሉ ነዚ ናይ ቴክኖሎጂ ማዕከን ዝወሃብ ወፈያ፡ ፍናን ነዚ ዌብሳይት ማዕቢሉ ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን፡ ዝተፈላለዩ ብቴክኖሎጂ ዝሰናደዉ ኣፕሊኬሽናት ፍናን ፈጢራ ኣገልግሎታ ንማሕበረሰብና ከተሳልጥን፡ ፍናን መሃዝነታ ከተማዕብልን፡ ፍናን ነቶም ገና ዘይበጽሓቶም ክፋል ሕብረተስብና ክትባጻሕ፡ ሶሻልመዲያ ብደምቢ ጌራ፡ ብመሃዝነት መንፈስ ከተሰላስል እዩ ክሕግዛ። ኩሉ ኣገልግሎት ፍናን ካባና ናባና ክኸወን ዝድርኽ ተበግሶ እዩ እሞ፡ ሃየ ድኣ ኢደይ ኢድካ እናበልና ወፈያና ነበርክት።